Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ እገዳ ከንብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ ናብ ሃገረን ከየኣቱ እገዳ ከንብራ ከምዝኾና ተገሊፁ።

እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ፅዕንቶ ንምፍጣር ብዝብል ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ወይ እውን ናብ ውሽጢ ሃገር ከየኣቱ ክውስና ከምዝኾና ካብ ዋይትሃውስ ዝወፅአ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡

እዚ ድማ ሩሲያ ምስ ዩክሬን ዝኣተወቶ ኲናት ፍልፍል ኢኮኖሚ ፕሬዚዳንት ፑቲን ብምንካይ ነቲ ኲናት ዘድሊ ኣታዊ ንምስኣን ዝሕግዝ ኢዩ ከምዝተብሃለ ሞስኮ ታይምስ ፀብፂቡ።

እተን ሃገራት ካብ ሩሲያ ዝኣትዉ ዘይቲ ነዳዲ ጠጠው ክብል ንምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እናዘተያ እንትኾና፥ እቲ መግለፂ ብዛዕባ ዝርዝር ኩነታት እቲ እገዳ ግን ዝበሎ ነገር የለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.