Fana: At a Speed of Life!

ኣብስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ብኣሃካብነት ሚኒስቴር ሰላም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምኡ እውን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሚኒስቴር ቤት ዕዮታትን ትካላት ፌዴራልን ዝተሳተፉዎ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ዜጋታት ንምምላስን ምስ ስድረኦም ንምርኻብን ዕዙዝ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ፡፡

እቲ ተግባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣፍሊጠን።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ብዝተፈላለየ ኩነታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይስራሕ ኣሎ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ዝድለ ከይዲ ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን መፍትሒ ክረክብ ኢዩ ኢለን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.