Fana: At a Speed of Life!

ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ አዋርሕ ብሓደጋ ትራፊክ ሂወት 13 ሰባት ሓሊፉ – ፖሊስ ዞባ መቐለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ አዋርሕ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ ሂወት 13 ሰባት ከምዝሓለፈ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ መቐለ ገሊፁ።

ኣተሓባባሪ ምፅራይ ሓደጋ ትራፊክ ፖሊስ ዞባ መቐለ ምክትል ኢንስፔክተር ሓዱሽ ካሕሳይ፥ ካብቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ብተወሳኺ 47 ዝኣክሉ ወገናት ከቢድ መጉዳእቲ ኣካል ከምዝበፅሖም ገሊፆም።

ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝግመት አስታት 117 ንብረት እዉን ሓደጋ በፂሑዎ ኢዩ።
እቶም ሓላፊ ከምዝበሉዎ፥ ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ በብግዝኡ አስተምህሮ ከምዝወሃብ ተዛሪቦም።

ሓደጋ ትራፊክ መላእ ኣባላት ካብ ምጉዳእ ብተወሳኪ ክልል ትግራይ ክመፅእ ንዝሕሰብ ቁጠባዊ ዕብየት ፅልዋ እናፈጠረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሕብረተሰብ ነዚ ክፈልጥን ገናሕቲ መኪና ድማ ብቀስታ ክገንሑ ከምዘለዎምን እቶም ምክትል እንስፔክተር ሓቢሮም።

እግረኛታት ጥንቃቀ ገይሮም ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ እዉን ኣተሓሳሲቦም።

ሳራ ኣብረሃለይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.