Fana: At a Speed of Life!

ኣብዱልፈታህ ኣልሲሲ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ግብፂ ን3ይ ግዘ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣብዱልፈታህ ኣልሲሲ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ግብፂ ንሳልሳይ ግዘ ከምዝተዓወቱ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ ኣልሲሲ ንዝቕፅሉ  ሽዱሽተ ዓመታት ንግብፂ ብፕሬዚዳንትነት ከገልግሉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

በዓል መዚ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ግብፂ ከምዝሓበሮ÷ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ግብፂ ፕሬዚዳንት ኣብዱልፈታህ ኣልሲሲ 89 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ንሳለሳይ ግዘ ተዓዊቶም፡፡

ኣብቲ መረፃ ካብ ዝተመዝገቡ 67 ነጥቢ 3 ሚሊየን መረፅቲ 44 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መረፃ ሪፐብሊካን ፓርቲ ህዝቢ 4 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ፣ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ግብፂ 4 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ዋፍርድ ፓርቲ 1 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ድምፂ ከምዝረኸቡ ተሓቢሩ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 11 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2023 ኣብ ዝተበረ ምሃብ ድምፂ÷ 121 ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ግብፃውያን ኤምባሲታት ብምጥቃም ኣብቲ መረፃ ተሳትፎ ምግባሮም ኣህራም ኦንላይን ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.