Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 100 ሺሕ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 100 ሺሕ ከምዝዛየደ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ብራዚል ዝተመዝገበ ምዃኑ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ሜክሲኮ ድማ ልዕሊ 23 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ምስ ምእታው ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ዝኾነ ይኹን ክልከላን ገደብን ምንቅስቓስ ኣይተነበረን።

እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ንኽዛመት ርኡይ ተራ ከምዘለዎ ሰብ ሞያታት ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ደቡብ ኣሜሪካ ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ዓለም ብበለፀ ማእኸል እቲ ተላባዲ ሕማም ኮይና ኣላ።

እቲ ቫይረስ ዝለዓለ ጉድኣት የስዕብ እምበር ሕዚ እውን ብዝለዓለ ብርኪ ተዛሚቱ ኢዩኣብ ዝበሃለሉ ብርኪ ከምዘይበፅሐ ሰብ ሞያታት እናገለፁ ይርከቡ።

ይህ ደግሞ ቀጣዮቹን ሳምንታት ከባድ ያደርገዋል ሲሉም አስጠንቅቀዋል።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.