Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ተምሃሮ ልዕሊ 350 ነጥቢ ኣምፂኦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ተምሃሮ ልዕሊ 350 ነጥቢ ከምዘምፅኡ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ ሃገር ለኸ ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ፥ ውፅት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ዲላሞ ኦተሪ፥ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም ብብርኪ ተመዝገብቲ፣ ብተፈተንቲን ውፅኢትን ልዑል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሓፈሻ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ እቶም 55 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዝኾኑ ልዕሊ 350 ነጥቢ ኣምፂኦም ኢዮም።

እቲ ውፅኢት ምስ ዘሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ዝሐሸ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ልዕሊ 600 ነጥቢ ዘምፅኡ ተምሃሮ 702 ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ልዑል ውፅኢት እዚ ዓመት 669 ኮይኑ ከምዝተመዝገበ እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ፈተና ዝወሰዱ ተምሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ ወይ እውን ናብ ሓፂር ፅሑፍ መልእኽቲ 8181 መለለየ መንነት ቁፅሮም ብምእታው ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ውፅቶም ክሪኡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ እዋንን ውፅኢት መሕለፊ ነጥቢን ብዝምልከት ምስ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.