Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንፀት ኢኮኖሚ ዓብዪ ግደ ዘለዎም ትካላት ቴክኒክን ሞያ ብሓምለዋይ ልምዓት ክዕጀቡ ይግባእ – ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንፀት ኢኮኖሚ ዓብዪ ግደ ዘለዎም ትካላት ቴክኒክን ሞያ ብሓምለዋይ ልምዓት ክዕጀቡን ስረሖም ኣዋዲዶም ሞየኦም ከርቓንዩ ከምዝግባእን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ከምኡ እውን ተፀዋዕቲ ትካላት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዶም።

ኣብ ቀፅሪ ዝተፈላለያ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ዝተኻየደ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፥ “ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ኩለመዳይ ረብሓ ስለዘዎም ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ብሓምለዋይ ልምዓት ክዕጀቡ ብምግባ ውፅኢቱ ክብ ክብል ምግባር ይግባእ” ክብላ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ወይዘሮ ሙፈሪያት ተዛሪበን።

እተን ትካላት ሃፍቲን ሰፊሕ ቦታን ስለዘለዎም ስራሕቶም ብሓምለዋይ ልምዓት ብምዕጃብ ንህንፀት ኢኮኖሚ ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣርባዕተ መሰልጠኒ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን ፈልሲታት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሌጃት ፈልሲታት ክዝትከሉ እተን ሚኒስትር ኣመልኪተን፡፡

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሙያን ኢትዮ ቻይና፣ ጀኔራል ዊንጌት፣ እንጦጦን ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጆች ምብራቕን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ከምዝተሳለጠ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.