Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ትምህርት ንትውልዲ ልዕሊ 25 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትምህርቲ ንወለዶ መሰረተ ልምዓታት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዝተገበረ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ልዕሊ 25 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ምንቅስቓስ ናህሩ ሓሊዩ ክቕፅል ከምዝግባእ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ሓፈሻዊ ልምዓት ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ተዛሪበን።

ትምህርት መሰረት ኩሉ ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዴኤታ÷ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ንዝቕፅል ወለዶ ዝኸውን መሰረት ንምንባር ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ይግባእ ኢለን።

በዚ ድማ ስብራት ትምህርቲ ንምሕካም ዘኽእል ኣሰር ምንባርን ለውጢ ምምፃእን ከምዘድሊ ገሊፀን፡፡

መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዝተገበረ ጎስጓስ፤ ኣብ ኩለን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ልዕሊ 25 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ዝግመት ሃፍቲ ምትእኽኻብ ከምዝተኸኣለ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.