Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ለውጢ ዓመታት ንህዝቢ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ጋህዲ ከምዝኾኑ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ፈተናታት ብምፅዋር ንህዝቢ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ብዙሓት ስራሕቲ ጋህዲ ከምዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ኣብ ወለጋ ንሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ዝተኻየደ እንትኸውን÷ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ኣርባዕቲአን ዞባታ ወለጋ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ተሳቲፎም፡፡

ኣይተ ሽመልስ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዙሓት ዓወታት ስራሕቲ ልምዓት ከምዝዘመዝገቡን ንኣብነት ድማ ልምዓት ስርናይ፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ተበፃሕነት መሰረተ-ልምዓትን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ንህዝቢ ተጠቃሚ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ክቕፅል ንምግባን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብኩሉ መዳይ ተጠናኺም ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተግባራዊ እናተገበሩ ዝርከቡ ኢንሼቲቫት ልምዓት ኣብቲ ክልል ዓብዪ ለውጢ ንኽመፅእ እናገበሩ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.