Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 70 ሚኢታዊ መሰረተ ልምዓት ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ከምዘዕነወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 70 ሚኢታዊ መሰረተ ልምዓትን ትካላትን እቲ ከባቢ ከምዘዕነወ ሚኒስቴር ትራንስፖርት እታ ሃገር ገሊፁ።

ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓያል ሓደጋ ውሕጅ ንደርና ምስ ሱሳ፣ ኣልቁባና ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ከተማታት ዘራኽቡ ክልተ ድልድላት ሓዊሱ 11 ድልድላት ከምዝዓነዉ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ÷ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ቡምባታት ማይ ካብ ጥቅሚ ወፃእ ከምዝኾኑን 50 ሚኢታዊ ዝኸውን መሰረተ ልምዓት መገዲን ጉድኣት ከምዝበፅሖም የኒ ሳፋቅ ዝተባህለ ፍልፍል ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ፡፡

ቢሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ በቲ ሓደጋ ውሕጅ ብውሑዱ 11 ሺሕን 300 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ 40 ሺሕ ነበርቲ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.