Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ምድላው እተን ትካላት ዝምልከት ገምጋም ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምጅማር ምድላው እተን ትካላት ዝምልከት ናይ መወዳእታ ገምጋም ይግበር ኣሎ።

ቀንዲ ዕላም እቲ ገምጋም ድማ ቫይረስኮሮና እናተኸላኸልካ ስሩዕ ትምህርቲን ስልጠናን ሰላማዊ ብዝኆነ መገዲ ክቕፅ ንምግባር ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም፥ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ፣ ኣከብቲ ቀዋሚ ኮሚቴታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ፕሬዚዳንታት መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣከብተ ቦርድ፣ ተወከልቲ ትካላት ሰላምን ፀፅን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝበሉዎ፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ስልጠናን ሰላማዊን ዝተረጋግዐን ኣሰራርሓ ምፍጣር ንኽኽእላ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ክገብሩ ይግባእ።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ብግደኦም፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ስልጠናን ሰላማዊ ዝኾነ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንኅህልወን ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ውፅእ ብዝበለ መልክዑ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ትካላት ትምህርቲ ማእኸል ፈጠራን ፍልጠትን እምበር ማእኸል መፍጠሪ ጎንፂን ዕግርግርን ምዃን ከብቅዕ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.