Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሑ ሓደጋታት ንምምካት ዘኽእል16 ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ዝሓቖፈ ፎረም ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)16 ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝበፅሑ ዘለዉ ሓደጋታት ህልውናን ድሕንነትን ብጥሙር ሓድነት ንምምካት ዘኽእል ፎረም ኣጣይሸን።

እቲ ፎረም ብሄራዊ ክልልዊ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሖ እንትኸውን፥ ውድባት ፖለቲካ ህወሓት፣ ባይቶናን ሳልሳይ ወያነን፣ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ማሕበር ዓለምለኸ ምሁራን ትግራይ፣ ማሕበር ሕብረተሰብ ትግራይ፣ ማሕበር ሓረስቶት ትግራይ፣ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ፣ ማሕበር ደቂ ስዉኣት ትግራይ፣ ማሕበር ባህሊ ትግራይ፣ ማሕበር ጉዱኣት ትግራይ፣ ማሕበር ጠበቓታት ትግራይ፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ፣ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ፣ ማሕበር መምህራን ትግራይ ዝተጣየሸ እዩ።

“ኩሉ ነገር ትሕቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሓዘ እቲ ፎረም፥ መሰረታዊ መትከሉ ድማ “ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ” ዝብል እዩ።

መስረትቲ እቲ ፎረም ኣብዚ ዘለናዮ እዋን መኸተ ዝንጠባጠብ ሓይሊ ክህሉ የብሉን ዝብል ቅዋም ከምዘለዎም ብምግላፅ፥ ብመሰረታዊ መትከላት/ዓንድታት እዚ ፎረም ዘይደራደር ትግራዋይ ኣባል ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ብኣንፃሩ ምስ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝሰርሕ ናይ ውሽጥና ሓይሊ ብዕቱብ ክንቃለሶ ኢና ኢሎም።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.