Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ንምፅር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ነይሮም – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ንምፅር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዕዉታት ከምዝነበሩ ምክትል ቀዳማይ ሚነሲትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ብዝተሰርሐ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ፃዕሪ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝሰርሑዎ ስራሕ ዓቢዪ ዓቕሚ ዝፈጠረ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ እቲ ጉዳይ መፍጠሪ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ንምግባር የፈተን እምበር፥ እቲ ጉዳይ ኣብ ማዕቐፍ ኣፍሪካ ንኽረአ ንምግባር ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ ብዝተሰሓሓተ መገዲ ንምፍራጅን ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ከይትጥቀም ንምግባርን ዝሰርሓ ሃገራት ዝኸደኦ ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ሽርሒ ምስ ግድብ ህዳሰ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ኢዮም ኣይተ ደመቀ ዝገለፁ።

እቲ ሽርሒ ኣብምስባር ድማ ኢትዮጵያውያን ዕዉታት ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.