Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍኖ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ትንኮያ ንምፍሻል ድሉው ከምዝኾነ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ፡፡

መንግስቲ ክልል ሃረሪ ኣብ መግለፂኡ፥ ህዝቢ እቲ ክልል ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍኖ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ትንኮያ ንምፍሻል ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ኩሉ ግዜ ንስልጣን እምበር ብዛዕባ ህዝቢን ሃገርን ዘይግድሾ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ለውጢ ኣትሒዙ ተስፋ ዝተነበረሉ ሃገራዊ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ውድቀት ኢትዮጵያ ምስ ዝምነዩ ኣካላት ብምትሕብባር ንምብትታን እናተንቀሳቐሰ ፀኒሑ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።

ዝገበሮም ፈተነታት ዘይተሳኽዑ ምስተረፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጭካነ ዝተመልኦ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ከሓዲነቱ ዳግም ኣመስኪሩ ኢዩ ኢሉ።

ይኹን እምበር ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሓደ ኮይኖም ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት ፀፅታ ክልላትን ብምዃን ልዑል ቅፅዓት ብምቕፃዕ ናብ ዱር ከኣቱ ከምዝተገደደ ገሊፁ።

መንግስቲ ንህዝቢ እቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ብእኹል ኩነታት ተበፃሒ ንምግባርን ሓረስቶት ስራሕቲ ሕርሸኦም ንኽትግብሩን ብዝብል ዝወሰዶ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንህዝቢ እዋን ፅምዋ ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣሚኑ እናደገፎ ከምዝፀንሐ እውን እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ፡፡

ይኹን እምበር ጉጅለ ህወሓት ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ዝተበረ ፃዒት ንጎኒ ብምሕዳግ ኲናት ብምእዋጅን ትንኮያታት ብምፍፃምን ሕዚ እውን ፃውዒት ኲናት እናገበረ ይርከብ ኢሉ።

ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝወፅአ ድንጋገ ሓለዋ መሰል ህፃናት ብምጥሓስ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ህፃናት ናብ ኲናት እናእተዎም ከምዝርከብ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን መላእ ኢትዮጵያውያን በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝንዝሑ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳታት እንተይተደናገረ፣ ውሽጣዊ ሓድነቱ ብምጥንኻር፣ ሕድሕዱ ብምክብባርን ብምትሕግጋዝን፣ ክፍኖ ዝኽእል ሃገራዊ መጥቃዕቲ ብሕብረትን ሓድነትን ከፈሽሎ ግባእ ኢሉ።

ህዝቢን መንግስቲን ክልል ሃረሪ እውን ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምምካት ከም ወትሩ ዘይተሓለለ ኩለመዳይ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.