Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኣይተ ደጀኔ ጣፋ፣ ኣይተ መስተዋርድ ተማምን በዓል ሞያ ኮምፒዩተር ኣይተ ጃዋር መሓመድን ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ነባር ኣመራርሓ ኦፌኮ ኣይተ ደጀኔ ጣፋ፣ ኣይተ መስተዋርድ ተማምን በዓል ሞያ ኮምፒዩተር ኢንጂነሪንግ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ ሚሻ ኣደምን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ክሲ ተመስሪቱ።

እቲ ክሲ ኣብ ክልተ ዝተኸፈለ ኮይኑ፥ ቀዳማይ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ደጀኔ ጣፋን ኣይተ መስተዋድድ ተማምን፤ ካልኣይ ክሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሚሻ ኣደም ዝተመስረተ ኢዩ።

ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከምዘመላኽቶ እንተኾይኑ፥ ብ1996 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ዝወፅአ ሕጊ ገበን ፌዴሪኢ 238/2 ዝተመልከተ ብምትሕልላፍ ምስ ዘይተትሓዙ መሻርኽቶም ብምዃን ዋና ፈፃሚ ገበን ኮይኖም ብሓይሊ፣ ብምፍርራሕን ዘይሕጋዊ ብዝኾነ ዝኾነ ይኹን መገዲ ብሕገመንግስቲ ዝተጣየሸ ስርዓት ንምፍራስ ብምሕሳብ “ድሕሪ ወርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም ስልጣን መንግስቲ ስለዘብቅዕን መንግስቲ ኮይኑ ክቕፅል ስለዘይኽእልን ብምባል” ስግግር መንግስቲ ንኅጣየሽ ፀቕጢ እናገበሩ ከምዝነበረ ጠቒሱ።

“ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓወልቲታት ሚኒሊክን መሰሎምን ክፈርሱ ኣለዎም፣ ቄሮ ኦሮሞ ንብረት ካልኦት ብሄራት ከቃፅሉ ኣለዎም” ብዝብል 23 ሰነ 2012 ዓ.ም ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተኸቲሉ ኣቐዲሞም ዝሃቡዎ መምርሒን ብተመሳሳሊ መዝገብ ተጠርጣሪ ዝኾኑ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ንጉሆ ሰዓት ሓደ ምስኮነ፤ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ ሸሞንተ ከባቢ ሆስፒታል ጳውሎስ ኣስከሬን ኣርቲስት ሃጫሉ ንምፍናው ንዝተኣከበ ህዝቢ “ድሕሪ ሕዚ በይንና ኣይንበኪን፣ ደቂ ነፍጠኛታት ቅድሚ ሕዚ ከምዝወድኡና ሕዚ እውን ይውድኡና ኣለዉ፣ ሕዚ ናብ ከይድኩም ንሓወልቲ ሚኒሊክ ኣፍርሱዎ፣ ዝኾነ ይኹን ነፍጠኛ እንተመፂ ከይተሓልፉዎ ስጉምቲ ውሰዱሉ፣ ካብኡ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣርባዕተ ኪሎ ብምኻድ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ንሓንሳብን ነሓዋሩን ስርዓት ክነፍርሶ ኣለና” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡዎም ልኡኽቶኦም ንምዕዋት ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ደጀኔ ጣፋ ብተመሳሳሊ መዝገብ ተጠርጣሪ ምስ ዝኾኑ ኣይተ በቀለ ገርባ መናእሰይ ብምጥርናፍ ኣብ ኬላ ከተማ ቡራዩ ኣስከሬን ከየሓልፍን “እቲ ኣስከሬን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንመልሶ ኣለና” ዝብል ትእዛዝ ብስልኪ ተቐቢሎም ኣብቲ ቦታ ምስ መሓገዝቶም ኮይኖም መሳራእያ ዝሓዙ ብዙሓት መናእሰይ ብምትሕብባር መገዲ ብምዕፃው ኣስከሬን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም እውን ተሓቢሩ።

ኣይተ ደጀኔ 22 ሰነ ለይቲ ሰዓት 5ን ዓሰርተ ደቒቓን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ባሌ ደምበል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምስ ዘይተትሓዘ ሓጋዚኦም ብምዃን መገዲ ብምዕፃው መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምውራድ ናይ መወዳእታ ቃልሲ ንኽገብሩ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፉ ኣብቲ ክሲ ተፀሪሑ።

23 ሰነ ድማ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ነጆ ዘይተትሓዘ ሓጋዚኦም መሓውር መንግስቲ እቲ ከባቢ ንኸፍርሱ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፉ እውን ተገሊፁ።

ካልኣይ ተኸሳሲ መስተዋድድ ተማም ድማ ካብ ጃዋር መሓመድ ዝተወሃቦ ልኡኽቶ ተቐቢሉ እቲ ኣስከሬን ካብ ኬላ ከተማ ቡራዩ ናብ ዲስ ኣበባ ብምምላስ መእተዊ በሪ ማእኀል ባህሊ ኦሮሞ  ጥሒሱ ክኣቱ ክብል ከምዝተትሓዘ ዝሓበረ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ባሌ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ደምበልን ቢሮ ማሕበረሰብ ፖሊስን ሓፈሻዊ ግምታዊ ዋገኦም ልዕሊ ብር 700 ሺሕ ዝኾነ ንብረት ብምዕናው ከምኡ እውን ቤት ብልዒን መስተን፣ ትካላት ንግዲን ውልቀ ሰባት ልዕሊ 824 ሺሕ ብር ዘውፅእ ንብረት ምዕናው፣ ናይ ሓሙሽተ ሰባት ገዛውቲን ፋብሪካ መፍረዪ ዘይቲን ሓዊሱ ብር 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዘውፅእ ንብረት ስለዝተቓፀለን ብር 5 ሚሊየን ዘውፅኣ ተሸከርከርቲ ከምዝተቓፀላ ብምግላፅ በዚ ተግባር ገበን ምኽንያት ኣብ ከተማ ቡራዩ ህይወት ክልተ ሰባት ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሓለፈን ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ህዝቢ ልዑል ናዕቢ ስለዝበፅሐን ተኸሰስቲ ቀንዲ ተሳተፍቲ ፈፀምቲ ገበን ብምዃን ኣብ ልዕሊ ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ዝፍፀም ክሲ ገበን ቀሪቡዎም ኣሎ።

ተኸሰስቲ ክሲ ዝበፅሖም እንትኸውን፥ እቲ ክሲ ተመልኪቶም ንምክርኻርን ዋሕስ ንኽፍቀደሎምን ንቤት ፍርዲ ሓቲቶም።

ኣብ ቀዳማይ ገበን መጋባእያ ጉዳያት ፀረ ግብረ ራዕዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝተረኸበ ዓቃቢ ሕጊ፥ እቲ ክሲ ልዕሊ 15 ዓመት ዘቕፅዕ ስለዝኾነ ብመሰረት ሕጊ ስነ-ስርዓት ዋሕስ ዝኽልክል ኢዩ ክብል ተቓዊሙ ተኸራኺሩ።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ ብግድኡ፥ መርሚሩ ክርክር ዋሕስ መርሚሩ ብይን ንመሃብ ንፅባሕ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ኣይተ ሚሻ ኣደም እውን ብገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ክሲ ተመስሪቱዎም።

ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ምጭብርባር ቴሌኮም ቁፅሪ 761/204 ዓንቀፅ 9/1 ዝተመልከተ ብምትሕልላፍ ኣብ ኢድ ውልቀሰብ ክተሓዝ ዘይብሉን ዘይፍቀድን ኣይተ ጃዋር መሓመድ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ፍቓድ እንተይተወሃቦም መሳርሒታት ሳትላይት ካብ ኣሜሪካ ናብ ውሽጢ ሃገር ብምእታው ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ ሓደ ከባቢ ጃፓን ኤምባሲ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ብምትካል ኣብ ሞባይል ስልኪ፣ ታብሌት ኮምፑዩተር፣ ርክብ ነዊሕ ርሕቐት ብምግባር ካብ 5 ክሳብ 25 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከቡ ውልቀ ሰባት ተጠቀምቲ ዳታን ቪዲዮን ብምግባር፣ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ናይ ውልቆም ሲስተም ኔትወርክ ንኽህሉ ብምግባርን ርክብ ዳታ ቪዲዮ ክህሉ ብምግባር 4 ሓምለ 2012 ካብ መንበሪ ገዝኦም ነቒሎም ካብ ዝሓብኡሉ ብምክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ብገበን ዘይሕጋዊ ፍቓድ ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ዝብል ክሲ ቀሪቡዎም።

ተኸሳሲ ብዋሕስ ንኽፍትሑ ዝሓተቱ እንትኾኑ፥ ዓቃቢ ሕጊ ድማ እቲ ክሲ ልዕሊ 20 ዓመት ዘቕፅዕ ስለዝኾነ ከምኡ እውን ተኸሳሲ ካብ ሃገር ከምልጥ ክብል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ብምዃኑ ነቲ ዋሕስ ተቓዊሙዎ።

እቲ ክርክር ዝተኸታተለ ቤ ፍርዲ ድማ ብይን ንመሃብ ንፅባሕ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.