Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስት ዝስተውዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ መበገሲ ብምፍላይ ክንሰርሕ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስት ዝስተውዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ መበገሲ ብምፍላይ ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ኣብ ግሪኽ ኣቴንስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ፖለቲካ ደቂ ኣንስትዮ እናተሳተፋ ዝርከባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ጉዳይ ማዕርነት ፆታ ኣካል ዕለታዊ ዘረበአን ብምግባር ንኽሕዛ ፀዊዐን።

“ማዕርነት ፆታ ተግባራዊነቱ ዝተማለአ ክኸውን ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ብውሑዱ ብዛዕባ ማዕርነት ፆታ ብምዝራብ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ” ኢለን፡፡

ኣፍሪካ ብዝምልከት እውን፥ መራሕቲ ኣብ ኣጀንዳ 2063 ተመርኲሶም ንምምሕያሽ እታ ኣህጉር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጥተኛ ፅዕንቶ ዘለዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዝበለፀ ፃዕሪ ንኽግበር እአውን ሓቲተን።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝስተውዓሉ ፀገማት ካብ መሰረቶም ንምርኣይን እቲ ፀገም ንምፍታሕን እቲ ቀንዲ ዋና ጉዳይ ምርኣይን በዚ ድማ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.