Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ፅልኢት ዘረባ ዝፍንዉ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ – ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ክሽርሽሩ ዝኽእሉ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ኣብ ልዕሊ ዝፍንዉ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ኣተሓሳሲቦም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ ኣብ ክሊ ናፅልኢት ዘረባ ዝፍንዉ ኣካላትን ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምቲታትን ኣድሂቡ ምስ ናፅነት ግምባር ኦሮሞ(ኦነግ)፣ ዴሞክራሲያዊ ትሕብብር ፓርቲ ትግራይ(ትዴትፓ)ን ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ(ሲአን)ንን ኣመራርሓታት ፃንሒት ገይሩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናፅነት ግምባር ኦሮሞ(ኦነግ) ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ፥ ፅልኢት ዘረባ ንምቁፅፃር ብዝወፅአ ሕጊ መሰረት ብምግባር ተመሳሳሊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ኣካላት መምሀሪ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግበኦ ተዛሪቦም።

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ትሕብብር ፓርቲ ትግራይ(ትዴትፓ) ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ብግደኦም፥ ቅጥዒ ዘይብሎም ኣመለኻኽታታት ወድዓዊ ኩነታት ካብ ዘይምርዳእ ዝመፅእ ስሕተት ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቶም ናይ ፅልኢት ዘረባታት ምትእሳሳር ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ ጥርጣረ ብምእታው ኣፈላላያት ክስፋሕፍሑ ናይ ምግባር ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ከምዚኦም ዝበሉ ሓበሬታታትን ዘረባታትን ናይ ምቁፅፃር ከይዲ ትኹረት ክግበረሉ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ(ሲአን) ኣይተ ዱካሌ ላሚሶ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝፍነዉ ናይ ፅለኣት ዘረባታትን ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናብ ጎንፂ ከእትዉ ዝኽእሉ ስለዝኾኑ ግቡእ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ፥ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ዘጠናኽሩ ተግባራት ትኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብሃይለኢየሱስ መኮንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.