Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዝተሓብኡ ፍርያታት እናተረኸቡ ብምዃኖም ሓበሬታ ንዝህቡ መበረታትዒ ስርዓት ክዝርጋሕ ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዝተሓብኡ ፍርያታት እናተረኸቡ ብምዃኖም ሓበሬታ ንዝህቡ መበረታትዒ ስርዓት ክዝርጋሕ ኢዩ ክብላ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ፣ ሰብ ስራሕ ሕፅረት ቀረብ ፍርያትን ዝተረጋግአ ናብራ ህዝቢ ንምህዋኽን ኢሉ እውን ሃገር ንምፍራስ ዝግበር እኩይ ተግባር ንምክልኻልን ስጉምቲ ንምውሳድን ዝተወደበ ግብረ ሓይሊ ሎሚ መዓልቲ ስርሑ ገምጊሙ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ንዝምልከቶም ኣካላት ብምዝታይን እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ስራሕቲ ቁፅፅር እውን ዝተወሰኑ ሸቐጣት ናይ ዋጋ ለውጢ ከምዝተርኣየ ዝገለፃ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዝተሓብኡ ፍርያታት እናተረኸቡ ይርከቡ ኢለን።

እቲ ፀገም ብሓባር ንምፍታይ ሕብረተሰብ ብዝተወደበ መነገዲ ንምስታፍ የድሊ ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ሕብረተሰብ ሓበሬተሳ ዝህበሉን ጥቆማ ንዝገብሩ ኣካላት ድማ መበረታትዒ ዝወሃበሉ ስርዓት ከምዝዳሎ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.