Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 42 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

 

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 11 ክሳብ 17 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 42 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ዝተፈላላዩ ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቶም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ናውቲታት፥ ጠያይቲ ኣፅዋራት ኲናት፣ መዐወኒ እፃት፣ ቡና፣ ኣግማልን ዝተፈላለዩ ናውቲታት ኤሌክትሮኒክስን እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ መቆፃፀሪ ጣቢያታት ጉምሩክ ኢዮም ተታሒዞም።

ኣልባሳት፣ መሳርሒታት ኤሌክትሮኒክስ፣ ሺሻ፣ ኣታዊን ወፃኢን ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ናውቲታት ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብኣድማ በታኒን ኣባላት ምክልኻል ሃገርን ብዝገበርዎ ናይ ሓባር ፃዕሪ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.