Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መረፃ ንምስታፍ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሑ ከምዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ንምስታፍ ብዙሓት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሑ ከምዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጦም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣመራርሓታት ፓርቲ ህዝባዊ ኣቢዮታዊ ኢትዮጵያ (ኢሃፓ)፣ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ህብር ኢትጵያ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን፥ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ተወዳደርቲን ተመረፅቲን ኮይኖም ንምቕራብ ምድላው እናገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ህይወት ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ኣማረፅቲ ፖሊሲታት ካብ ምሕንፃፅ ሓሊፉ መረፃ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ መልክዑ ንኽካየድ ናይ ባዕሎም ግደ ንምውፋይ ድሉዋት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣቦ መንበር ኢሃፓ ኣይተ ቴዎድሮስ ዘርፉ፥ ፓርቶም ቦርድ መረፃ ዘውፀኦ መምርሒ ብምኅታልን ሕጋዊ መለክዒታት ብምምላእን እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ኢንጂነር ጌታነህ ባልቻ ብግደኦም፥ ባልደራስ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ንምስታፍ መወዳደሪ ፕሮግራማት ካብ ምድላው ሓሊፉ ካልኦት መሰረታዊ ምድላዋት ቅድም መረፃ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

መበገሲ ባልደራስ ሕቶ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ምፍታሕ ኢዩ ዝበሉኢንጂነር ጌታነህ፥ ብብርኪ ሃገር ንምስታፍ እውን ምስ ካልኦት ፓርቲታት ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ቦርድ መረፃ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ ንይምሰል መረፃታት ክመሃር ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ኢንጂነር ጌታነህ፥ ገዛኢ ፓርቲ ድማ ድምፂ ህዝቢ ንምኽባር ካብ ብሕዚኡ ድሉው ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያ ኣይተ ግርማ በቀለ፥ ፓርቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ማኒፌስቶ መረፃ ብምድላው ሕፁያት ዝመሓደሩሉ ሰነድ ስነ-ምግባር መረፃ ኣብ ምርቃቕ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ህብር ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል መረፃ ተወዳዳሪ ኮይኑ ንምቕራብ ነባራዊ ኩነታት ዘገናዘቡ ፖሊሲታት ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.