Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ምምዕርራይ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምምዕርራይ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ÷ ካብ ሎሚ ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተ 30 ታሕሳስ ጀሚሩ ብዝግበር ክለሳ ዋጋ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝወሃብ ድጎማ ክውስኽ ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን እናተውሃበ ዝነበረ ድጎማ ካብ ብር 15ን 76 ሳንቲምን ናብ ብር 17 ን 33 ሳንቲምን፤ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ናፍጣ ካብ ብር 19 ን 02 ሳንቲምን ናብ ብር 22 ን 68 ሳንቲምን ክብ ክብል ተገይሩ።

ኣብ ቀፃሊን ሳልሳይ ዙር ካብ ሎሚ ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተ 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ክሳብ 30 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተግባራዊ ዝኸውንን ችርቻሮ ዋጋ ነዳዲ ድማ÷ንሓደ ሊትሮ ቤኒዚን 61 ብርን 29 ሳንቲምን፣ ፃዕዳ ናፍጣ 67 ብርን 30 ሳንቲምን፣ ኬሮሲን 67 ብርን 30 ሳንቲምን፣ ቀሊል ፀሊም ናፍጣ ብሊትሮ 49 ብርን 67 ሳንቲምን፣ ከቢድ ፀሊም ናፍጣ 48 ብርን 70 ሳንቲምን፣ ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲ 67 ብርን 91 ክሽየጥ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.