Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ ልዕሊ 44 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ህንፀት ኣስፋልት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብልዕሊ 6 ነጥቢ 2 ቢልየን ብር ልዕሊ 44 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ህንፀት ኣስፋልት የሳለጥ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ፥ እቲ ፅርግያ ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ብምዃን ይህነፅ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ህንፀት እቲ ኣስፋልት ግደ ሕብረተሰብ ልዑል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብዚ በጀት ዓመት ካብ ነባር ከተማ ወፃእ ኣስታት 40 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ሓዱሽ ተወሳኺ ህንፀት ኣስፋልት ከም ዝሳለጥ ኣብሪሆም።

ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ምስራሕ ህንፀት ፅርግያ ተተሓይዙ ምጭንናቕ ተሽከርከርቲ ከጋጥም ከምዝኽል ዝሓበሩ ኣይተ ኤልያስ፥ ክሳብ ምትዕርራይ ዝግበር ሕብረተሰብ ብትዕግስቲ ክፅበን ሓጋዛይ ክኸውንን ይግባእ ኢሎም።

ካብቲ ዝህነፅ ዘሎ ኣስፋልት እቲ 11 ኪሎ ሜትሮ ዛጊድ ከም ዝተዛዘመ ተሓቢሩ።

እቶም ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ መገድታት ፀገም ማሕበረሰብ ኣብ ምቕራፍ ርኡይ ረብሓ ከም ዘለዎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.