Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ሰለኽለኻ ተቛሪፁ ዝነበረ ከቢድ መጥባሕቲ ስርሑ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ኣብ ዘሎ መባእታዊ ሆስፒታል ሰለኽለኻ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ተቛሪፁ ዝነበረ ከቢድ መጥባሕቲ ስርሑ ጀሚሩ።

መተሓባበሪ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ጌታቸው ሃይለ፥ ሆስፒታል ሱሑል ሽረ፣ ሪፈራል ሆስፒታል ኣክሱምን ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብዝገበርዎ ምትሕብባር ኣገልግሎት ከቢድ መጥባቲ ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ገብረስላሴ ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ እቲ ግልጋሎት ተቛሪፁ ብምንባሩ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ፀገሙ ናብ ሽረ፣ ኣክሱም “ሪፈር” እንዳተባህለ ይግልገል ነይሩ ኢሎም።

ብፍላይ ኣዴታት ወሊድ እንተጋጥም ሕፅረት ኣምቡላንስ ስለ ዘሎ ናብ ከቢድ ፀገም እንዳተሳጥሓ ፀኒሐን ኢየን ብምባል፥ ሕዚ እቲ ኣገልግሎ ብምጅማሩ ነቲ ዝነበረ ፀገም ከምዝቐርፎ ምዝራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.