Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒ ዝኣትዉን ወፃኢኦም ክሽፍኑ ዘይኽእሉን ኢትዮጵያውያን ሙሉእ ወፃኢኦም መንግስቲ ክሽፍን ኢዩ – ኢንጂነር ታከለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ፀኒሖም ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ናብ ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒ ዝኣትዉን ወፃኢኦም ክሽፍኑ ዘይኽእሉን ወገናት ሙሉእ ወፃኢኦም መንግስቲ ከምዝሽፍን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣፍሊጦም።

ኢንጂነር ታከለ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ መንግስቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታታትን ወገናትን ማእኸል ፈሊኻፅንሒ ምድላዉ ገሊፆም።

ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን፥ ወፃኢኦም ክሽፍኑ ዘይኽእሉን ኢትዮጵያውያን እቲ ከተማ ምምሕዳር ሙሉእ ወፃኢኦም ከምዝሽፍን ኣብሪሆም።

ኢንጂነር ታከለ ኣብ መልእኽቶም፥ ሕብረተሰብ ንባዕሉን ንህዝቡን ቫይረስ ኮሮና ብምትሕስሳብ ንኽከላኸል ኣተሓሳሲቦም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.