Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምሕላው ፅሬት ሰራሕተኛታት ፋብሪካን ጨርቀ መርቂ ኢንዱስትሪን ግንዛበ ንምዕባይ ዘኽእል ወፍሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ጨርቀ መርቂ፣ ቆርበትን ክዳውንቲን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ፅሬት ሰራሕተኛታት ፋብሪካን ጨርቀ መርቂ ኢንዱስትሪን ግንዛበ ንምዕባይ ዘኽእል ወፍሪ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ዓውዲ ካብ ምዕባይ ጎድና ጎድኒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስግኣት ጥዕና ኮይኑ ምስ ዘሎ ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ፋብሪካታት ብዛዕባ ጥዕናን ድሕንነትን ግንዛበ ናይ ምፍጣር ወፍሪ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብዚ ሕዚ እዋን ገደብ ምንቅስቓስ ይኹን ፋብሪካታት ዋላ እንተዘይዓፀወት ተቐበልቲን ዓደግቲን ሃገራት ከምኡ እውን ኩባኒያታት ትእዛዝ ምንካየን ኣብቲ ዓውዲ ፅዕንቶ ምፍጣሩ እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።

እቶም ኩባኒያታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ስራሕ እናተመለሱ ስለዝኾኑ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ፍርያተን ምልኣኽ ከምዝጅምራ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ፌዴሬሽን ነቲ ዓውዲ ብዘደንፍዕ መልክዑ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዝሐሸ ፅሬት ንኽህልዎም ከምዝስራሕ ኣገንዚቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.