Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምሕደራ ሃፍቲ መሬት ዝረአ ግዕዝይና ጠጠው ንምባል ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምስፋሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምሕደራ ሃፍቲ መሬት ዝረአ ግዕዝይና ጠጠው ንምባል ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምስፋሕ ከምዝግባእ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌደራል ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘፈር መሬት ዝረአዩ ግዕዝይናን ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ኣብ ምክልኻል ትኹረት ዝገበረ ዘተ ምስ መዳርግቲ ኣካላት የሳልጥ ኣሎ።

ምክትል ኮሚሽነር ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌደራል ወዶ ኣጦ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ግዕዝይና ሰላምን ልምዓትን ሃገር እናተዓናቐፈ ዝርከብ ሓደገኛ ገበን ኢዩ።

ምንቅስቓስ ገበን ግዕዝይና ብምቅላስ ሃፍቲ ህዝቢ ኣብ ልምዓት ሃገር ክውዕል ንምግባር ፖለቲካዊ ቆራፅነት ኣመራርሓ ከምዝሓትት እውን ገሊፆም።

ምንቅስቓስ ግዕዝይና ምቅላስ ብምስፋሕ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምዕሳል ቀፃልነት ዘለዎ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፈንታ ደጀን ብግደኦም÷ መሬት ብግቡእ መገዲ ብምምሕዳር ንዜጋታት ፍትሓዊ ተረባሕነትን ልምዓት ሃገርን ንኽውዕል ምግባር ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.