Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ሃፍቲ ዓሳ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ርብርብ ክግበር ይግባእ – ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ሃፍቲ ዓሳ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ብምውዓል ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግባእ ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ገሊፁ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ህንዲ ውቅኖስ ዘሎ ሃፍቲ ዓሳ ምቃም ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ሃፍቲ ዓሳ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝይግባእ ተገሊፁ።

ኣብ ምብራቕን ደበቡብን ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ህንዲ ውቅያኖስ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ዝሰርሕ “ኢኮ ፊሽ” መተሓባበሪ ዜክኒካል ዝኾኑ ሱኔል ስዌኒሪ፥ ኣብቲ ዞባ 50 ቢሊየን ዩሮ ዝትመን ሃፍቲ ዓሳ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

እቲ ሃፍቲ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዝካ ብምልማዕ ንረብሓ ውሽጢ ሃገር ንኽውዕል ከምኡ እውን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ብምምፃእ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.