Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ዓለም ለኸ ሓገዝ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተልዓለ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝ ንኽገብራ ተሓቲቱ።

ኣብ ምክልኻል እቲ ዝተልዓለ ዕስለ ኣምበጣ ትኹረት ዝገበረ ዘተን ገለፃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይ ላይት ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኸ ሚኒስትራት ዝተፈላለዩ ሃገራት፣ ተወከልቲ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ትካላት መሓዙት ልምዓት ይሳተፉ ኣለዉ።

ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ እናብፀሖ ዝርከብ ጉድኣት ብዝምልከት ገለፃ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ብፍላይ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶሚሊያን በቲ ዕስለ ብልዑል ብርኪ ዝተጎድኣ ሃገራት ምዃነን ተሓቢሩ።

እቲ ዕስለ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝገብሮ ምንቀስቓስ ቀፃልነት ዘለዎ ኢዩ ዝተብሃለ እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ ሰነ 2020 ክፀንሕ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት ዝኾና ትካላት ዝገብረኦ ሓገዝ ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፃውዒት ቀሪቡ።

ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ዘብፀሖ ዘሎ ሓደጋ ንምንካይ ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ ይግባእ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ብግደኣ፥ እቲ ትካል ክሳብ ሕዚ ብዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ዕስለ ኣምበጣ ክሳብ ዝጠፍእ ዓለም ለኸ ትካላት ዝገብረኦ ሓግዝ ንኸጠናኽራ ሓቲታ።

እቲ ዕስለ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ትግራይ፣ ዓፋር፣ ሰሜን ምብራቕ ኣምሓራ፣ ምብራቓዊ ሶማሌን ኦሮሚያን፣ ምዕራብን ምብራቕን ሃረርጌ ሓዊሱ ክሳብ ድሬዳዋ ዘሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢታት ቆላ ባሌ፣ ቦሮናን ጉጂን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ደቡብ ብምስፍሕፋሕ ካሊእ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.