Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዘተኮረ ወፍሪ ካብ 3 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዘተኮረ ወፍሪ ካብ 3 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ተዛቲዩ።

ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ እቲ ወፍሪ፥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ሓዊሱ ሜላታት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ብግቡእ ኣብ ምትግባር ትኹረት ክገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብዞም ኣዋርሕ “ምእንታን ክነገልግሎም ማስክ ይግበሩ” ዝብል ወፍሪ ከምዝካየድን ኣብ እዋን እቲ ወፍሪ ድሕሪኡ እውን ዘገልግሉ ማስክታት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ወፍሪ፥ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣቢያተ ትምህርቲን፣ ኣብ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፣ ኣብ መናሃሪያታት ራንስፖርት፣ ኣብ ዕዳጋታት፣ ኣብ ትካላት ሃይማኖትን ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖም መሰል ከባቢታት ትኹረት ከምዝገብር ተሓቢሩ።

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ወፍሪ ኣብ ስራሕቲ ምቁፅፃርን ክትትልን ከምኡ እውን ኣብ ተግባር መዕበዪ ዓቕሚ ብሓላፍነት ከምዝንቀሳቐሱ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.