Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞስኮ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈፀመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ሩሲያ ዝኾነት ሞስኮ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ ህንፃታት እታ ከተማ መጠናዊ ዕንወት ከም ዝበፅሐ ሰብ መዚ እታ ከተማ ኣፍሊጦም።

ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርጀ ሶብያኒን ኣሰካፊ ዝብሃል ዕንወት ከም ዘየጋጠመ ብምግላ፥ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ህፁፅ ረድኤት “ኣብ እዋን እቲ ፍፃም ኣብቲ ቦታ ምንባሮም” ገሊፆም።

ሰብ መዚ ሩስያ ካብተን ድሮናት ናብ ሰማያ ሞስኮ እናቐረባ ምስ መፅኣ ሓያለ ካብአን ብፀረ ነፈርቲ ተወቒዐን ከም ዝወደቓ’ኳ እንተገለ፥ መበገሲ እተን ድሮናት ካበይ ምዃኑ ግን ኣይሓበሩን።

ክሳብ ሕዚ ካብ ወገን ዩክረይን ብዛዕባ እተን ድሮናት ዝተውሃበ ሓበሬታ የለን።

ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርጀ ሶብያኒን ብቴለግራም ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፥  ነበርቲ ኣብቲ ዝተወቕዐ ህንፃታት ክወፅኡ ከም ዝተገበረን ክልተ ሰብ ጥራይ ናብ ሕክምና ዘየብፅሕ ቀሊል ጉድኣት ከም ዘጋጠሞም ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.