Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኮንጎ ኪንሻሳን ትራንስፖርት ኣየር ንምስላጥ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣማኻሪ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ኮሙኒኬሽንን ኮንጎ ኪንሻሳ ሙሴንጌዚ ኪታሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣቪዬሽን ምስ ኣመራርሓ በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ ትራንስፖርት ኣየር ንምስላጥ ዝዓለመ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ብክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሰናደአ ሰነድ ስምምዕነት ትራንስፖርት ኣየር ዝጠመተ ምይይጥ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

በቲ ዘተ ዝግበር ስምምዕነት ስዒቡ፤ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ትራንስፖርት ኣየር ንምስላጥን መባፅሕቲ በረራ ንምዕባይን ዘኽእሎ ስምምዕነት ትራንስፖርት ኣየር ፅባሕ ምስ ኮንጎ ኪንሻሳ ከምዝፈራረም ተሓቢሩ፡፡

እቲ ስነ ስርዓት ክታም ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉዳያት ወፃኢን ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝሳለጥ ምግላፁ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.