Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘሎ ምትእስሳር ቀረብ ሓይሊ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘሎ ምትእስሳር ቀረብ ሓይሊ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ልዝብ ተኻይዱ።

ብሚኒስቴር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ዘካተተን ጉጅለ ልኡኽ ምስ ጂቡቲ መዘንኡ ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘሎ ምትእስሳር ሓይሊ ብዝበለፀ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ዘሎ ምትእስሳር ንምጥንኻር እናተሰርሐ ዝፀንሐ ፕሮጀክት ሓይሊ ንፋስ ኣይሻ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቲ ምስ ዝመፅእ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርኻብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ሓደ ናይ ወፃኢ ትካል ብሓባር ብምምራፅ ንምኽፅናዕ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ቀፃላይ ልዝብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ከምዝተስማዕምዑ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.