Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢንዱስትሪን ፍርያትን ኣድላዪ ምትእስሳር ቀረብ ብምጥንኻር ልምዓት ምቅልጣፍ ይግባእ – ም/ቀ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪን ደላዪ ፍርያትን ዝረአ ክፍተት ንምምላእ ምትእስሳር ቀረብ ብምጥንኻር ልምዓት ምቅልጣፍ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ምንቅስቓሳት ልምዓት ተመልኪቱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ምምሕዳር ከተማ ባህር ዳር ምንቅስቓሳት ኢንዱስትሪ፣ መሰረተ ልምዓትን ትሩፋት ሌማት ንሕብረተሰብ ተጠቃሚ ዝገብሩ ተግባራት እናተወገኑ ይርከቡ።

ኣብታ ከተማ ዘሎ ፋብሪካ መፍረዪ መኖ እንስሳት እንስሳት ምድላብ፣ ንፀባ፣ ንዶርሆ፣ ንጊመልን ካልኦት እንስሳትን ዝውዕል መኖ ብብዝሓት እናፈረየ ከምዝርከብ ኣብ ትዕዝብቶም ምርግጋፆም ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣርባሕቲ እንስሳት ንዘልዕሉዎም መሰረታዊ ሕቶታት ቀረብ መኖ ምምላስ ከምዝከኣል ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ሞንጎ ቀረብን ጠለብን ዝረአ ክፍተት ንምምላእ ምትእስሳር እሴት ብምፍጣር ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ወገናት ካብቲ ፋብሪካ ፍርያት መኖ ዝወስዱሉ ኩነታት ምምችቻው ይገባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.