Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዘሎ ፀገም ተቐራሪብካ ዘይምዘውርራብ ምዃኑ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ዘሎ ፀገም ተቐራሪብካ ዘይምዝርራብ እምበር ዘይፍታሕ ፀገም ከምዘይኮነ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መማኽርቲ ክልቲኦም ኣካላት ኣዘራሪቡ ፅቡቕ ምላሽ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ኣካቢ መማኽርቲ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ እቲ መማኽርቲ ብምዃን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ መማኽርቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምዃ ዝረኣዩ ፀገማት ባህሊን ትውፊትን መሰረት ብምግባር ንምፍታሕ ናይ ሓባር ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ገሊፆም።

እቲ ሓሳብ ናብ ባይታ ብምውራድ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተወከልቲ ዓበይቲ ዓዲ ክልላት ምስታፍ ዝተኽኣለ እንትኸውን፥ ነዙይ መሰረት ብምግባር ስራሕቲ ጀመሩ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ብዙሕ እንተይተጉዓዘ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ብምምፅኡ ምኽንያት፥ ክንዲቲ ዝተደለየ ቅልጠቀፈ ክጓዓዝ ኣይከኣለን ኢሎም።

̋እቲ ሕማም ካብ ሰላምናን ሓድነትናን ንላዕሊ ስለዘይኸውን ግና ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ናብ ስራሕ ኣቲና ኣለና̋ ኢሎም።

እቲ መማኽርቲ ፈለማ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፓርቲ ብልፅግናን ዘለዉ ኣፋላላያት ንምርኣይ ብዝተለሞ መሰረት ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ክልል ትግራይ ከምዘቕነዐን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሕመሓት ከምዝዘተየን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዘተ ድማ ጉዳይ ሰላምን ሓድነትን ናይ ኩሉ ሓላፍነት ስለዘዝኾነ ኩሉ ብሓላፍነት ደው ክብለሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ ብዝብል ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ።

ካብዚ ወፃእ ግን ኣመራራሓታት ህወሓት ብዙሓት ሕቶታት ከምዘለዉዎምን እቶም ሕቶታት ነቶም መማኽርቲ ከምዘቕረቡሎምን ብምግላፅ፥ ብሓባር ተቐራሪቦም ንምዝርራብ ግን ቅሩባት ከምዝኾኑ ገሊፆም ኢዮም ኢሎም።

እቲ መማኽርቲ ካብ ሕወሓት ዝተልዓሉ ሕቶታትን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ተራኺቡ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ብሓባር ተራኺብካ ምዝርራብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ ፀገም ዘይምዝርራብ ኢዩ እምበር ተቐራሪቦም እንተዝዘራረቡ ኣብ ኣፈላላዮም ተስማዕሚዖም ብሓባር ዝቕፅሉሉ ዕድል ከምዘሎ ምዕዛብ ከምዝኸኣሉ እቶም መማኽርቲ ኣብሪሆም።

እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ህወሓትን ጥራሕ ዘብቅዕ ኣይኮነን ዝበለ እቲ መማኽርቲ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኦሮሚያን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘለዉ ኣፈላላያት ምይይጥ ብምግባር ናብ ምርድዳእ ንንኽመፅኡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.