Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ብሄራዊ ኣገልግሎት ዜግነት መናእሰይ ዝጠመተ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20  ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ብሄራዊ ኣገልግሎት ዜግነት መናእሰይ ዝጠመተ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ምክትል ኣፈጉባኤ ዘሀራ ሁመድ፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ “ሓደ ናይ ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ንምፍጣር” ልዑል ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን።

ኣብ መንጎ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር  ፈላማይ ኣጀንዳ ተገይሩ ብምውሳድ ቀዋሚ ኮሚቴ መድረኽ ንክዳሎ ምግባሩ ተዛሪበን።

እቲ ኣዋጅ ተፈፃሚ ኣብ ምግባር ዝምልከቶም ኣካላት ግደኦም ክዋፅኡ ፀዊዐን።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ እቲ ኣዋጅ መናእሰይ ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሃገራዊ ግግቡኦም ነክዋፅኡ ዘኽእል ከምዝኾነ መብረሀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.