Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሩስያ ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ 11 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሩስያ ኣብ ጥቓ ከተማ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኮንሰርት ሙዚቃ ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 143 በፂሑ።

ካልኦት ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝቖሰሉ እውን ኣገልግሎት ድሕነት ሩስያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ በቲ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ 11 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ኣርባዕተ ተመሳሲሎም ዝኣተዉ ዕጡቓት ከምዝተሳተፉ ቢቢሲ ዘረጋገፆ ቪድዮ የመልክት።

ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ 11 ጥርጡራት፥ እቶም ኣርባዕተ ብቀጥታ ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ከምዝኾኑ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ኣዳራሽ ክሮከስ ምርኢት ሙዚቃ ሮክ ንምቕራብ ምድላው ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ኣፋፌትን ማእኸል ኣዳራሽን ተዂሲ ከፊቶም።

ብሰንኪ እቲ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ህንፃ ብሓዊ ከምዝነደደን ክፋል እቲ ናሕሲ ምፍራሱን ተገሊፁ።

ካብቶም ግዳያት ህፃናት ከምዝርከቡዎም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ድማ ነቲ ተግባር “መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ” ክብል ኮኒኑዎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.