Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ርብዒ ዓመት 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ፌደራል፣ ሚኒስቴር እቶትን ሚኒስቴር ፍትሒን÷ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ምክልኻል ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ይግምግሙ ኣለዉ።

ዳይሬክተር ኢንተለጀንስ ኮሚሽን ጉምሩኽ ተገኔ ደረሰ ከምዝበሉዎ÷ ወፃእቲን ኣተውቲን ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃር ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ተወሲዶም።

ብምዃኑ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ግምታዊ ዋገኦም 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝትሓዙ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.