Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 21 ሳባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍቢሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ጃካርታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 21 ሳባት ምሕላፉ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣውሎ ንፋስ ዝተሓወሶ ሓያል ማይ ብምውቅዑ ዝተልዓለ እንትኸውን፥ ሓዱሽ ዓመት ንምቕባል ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ ዜጋታት ሓደጋ በፂሑዎም።

ሓያል ማይን መጠን ማይ ሩባታት ምውሳኽን፥ ንምብእኣስ አቲ ሓደጋ ውሕጅ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ግጋሎት በረራ ውሽጢ ዓዲ ዝህብ መዕርፎ ነፈርቲ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ውሕጅ ዝተዓፀወ እንትኽውን፥ 20 ሺሕ ዝኾኑ ተጓዓዝቲ ተኣጓጒሎም ተባሂሉ።

ብምኽንያት እቲ ውሕጅ ካብ ከተማ ጃካርታ ውፅእ ኢላ ኣብ ትርከብ ከባቢ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ምግጣሙ እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ አልጀዚራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.