Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ወሎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናተጋደደ ከምዝመፅአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ዘለ ሰብኣዊ ቅልውላው እናተጋደደ ከምዝመፅአ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሓደጋን ድልውነትን ውሕስነት ምግብን ኣይተ ኣለሙ ይመር ገሊፆም።

ኣይተ ኣለሙ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘካየዶ ኣብ ሰሜን ወሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናተጋደደ ከምዝመፅአ ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ካብ ዝነብር ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን  ህዝቢ 500 ሺሕ ዝኸውን በምፍንቓል ናብ ደቡብ ወሎ ዞባ ከመዝኣተወ ተዛሪቦም።

ካብዚ እቲ ኣስታት 270 ሺሕ ብመንግስቲን ህዝብን ድጋፍ ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም።

1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዝኸውን ህዝቢ ድማ ከባቢኡ ዘይለቐቐ ብምዃኑ ንከቢድ ጥምየት ክከምዝተቓልአ ተዛሪቦም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴን ሂርፖ ሽቦን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.