Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 50 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ክረምቲ ዝሰዓበ ውሕጅን ዕልቕልቕን ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወ ትካላት ረድኤት መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢረን።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብዝዘነበ ዝናብን ውሕጅን ኣስታት 136 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ከምእተቓልዑን ብዙሓት ሰባት ኣደዳ ሞትን መጕዳእትን ምምዝባልን ከምዝኾኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ ረድኤት ሱዳን ገሊፁ።

ውሕጅን ዕልቕልን ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዘስዓበ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፥ ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ክረምቲ 52 ሰባት ከምዝሞቱን 25 ከኣ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ውሕጅ ኣብ 12 ግዝኣታት እታ ሃገር 8,900 ዝኸውን ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ፥ ካልእ 20 ሺሕን 600 ኣብ ዝኸውን ኣባይቲ ከኣ ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.