Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስራሕ ዝነበረ ፖሊሲ ኢነርጂ ኢትዮጵያ ክመሓየሽ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ን3ተ ዓሰርተ ዓማውቲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሐ ፖሊሲ ኢነርጂ ኢትዮጵያ ክመሓየሽ ምዃኑ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተመሓየሸ ረቒቕ ፖሊሲ ኢነርጂ፤ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘትዩ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ን29 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝፀንሐ ፖሊሲ፤ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ምድላዋት መመሓየሺ ክግበረሉ ፀኒሑ እዩ ተባሂሉ። እቲ ፖሊሲ ምስ ህሉው ሃገራዊ ኩነታት ተሰማሚዑ፣ ተመሓይሹን፣ ተዳልዩን ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብቲ ንዓለም ዝፈታተን ዘሎ ለውጢ ክሌማ ሚዛናዊ ኢኮኖሚ ንምምዕባል ከምዝሕግዝ፤ ኣብ ተሓዳሲ ልምዓት ሓይሊ ንኢትዮጵያ ብኣንፈት ፖሊሲ እትምርሐሉ ከምዝኾነን ጠቒሶም።

ድሕሪ ምድላው እቲ ረቒቕ ፖሊሲ ብርክት ዝበሉ ዘተታት ተኻይዶም ናብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ከምዝተሰጋገሩ ብምግላፅ፤ ተወሰኽቲ እታወታት ምስተኣከቡ ናብ ዝምለከቶም ኣካላት ቀሪቡ ንኽፀድቕን፣ ኣብ ስራሕ ንክውዕልን ክግበር እዩ ኢሎም።

ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት፤ ምምሕያሽ ፖሊሲ ኢነርጂ ምስ ውሽጣዊ ኢኮኖሚ፣ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን፣ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ምትእስሳር ኣድላዪ ብምዃኑ እዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.