Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሲዊዲን ስቶኮልም ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብዝተፈላለየ ርሕቐት ተዓዊቶም።

7ይ ዙር ውድድር ጉያ ዳይመንድ ሊግ 2023 ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ እንትኸውን÷ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ።

ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ካልአይቲ፤ ሂሩት መሸሻ ሳልሰይቲ ብምውፃእ ውድድረን ዛዚመን፡፡

ብካሊእ መዳይ ድማ ኣብ 800 ሜትሮ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ወርቅነሽ መሰለ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.