Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስፔን ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ቫሌንሺያ ኣብ ክልተ አፓርታማታት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት እንትሓልፍ 15 ሰባት ድማ ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ ግልጋሎት ሃንደበታዊ ሓደጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ካምፓናር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ዝርከብ በዓል 14 ደብሪ ህንፃ ላይ ብምልዓል ኣብ ጥቕኡ ናብ ዘውርከብ ካሊእ ህንፃ ከምዝተዛመተ ተገሊፁ፡፡

ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሰባት ካብ ውሽጢ እቶም ህንፃታት ብምውፃ ስራሕቲ መድሕን ህይወት እንትሰርሑ ከምዝተርኣዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ህንፃ ተቐፃፀልቲ ዝኾኑ መሸፈኒታት ምህላዎም እቲ ባርዕ ሓዊ ብቅልጣፈ ንኽስፋሕፋሕ ከምዝገበሮ ሰብ ሞያ ተዛሪቦም።

138 ኣፓርታማታት ዝሓዘን 450 ነበርቲ ዘለዉዎን ህንፃ ከምዝኾነ መካየዲ ስራሕ እቲ ህንፃ ምግላፆም ተመልኪቱ።

በቲ ሓደጋ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊን ሓደ ህፃን ሓዊሱ 15 ሰባት ከምዝቖሰሉ እውን ተገሊፁ፡፡

ወላኳ ከቢድ ንፋስ እቲ ባርዕ ሓዊ የበኣእሶ እምበር እቲ ሓደጋ ካብ 20 ብዝበልፁ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል ከምዝተኸኣለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.