Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀረብን ስርዓት ምሕደራ መሬት ከተማን መንበሪ ኣባይቲ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዓመት ኣብ ቀረብን ስርዓት ምሕደራ መሬት ከተማን መንበሪ ኣባይቲ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን÷ ብመንግስቲ፣ ሪል-ስቴት፣ ብውልቀን ማሕበራትን 119 ሺሕን 126 ሓደሽቲ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ተሓሲቡ 88 ሺሕን 562 ኣባይቲ ምህናፅ ከምዝተኸኣለ ተሓቢሩ፡፡

50 ሺሕ ደረጀኦም ዝሓለዉ መንበሪ ኣባይቲ ገፀር ንምህናፅ ከምዝተሃቀነን 69 ሺሕን 817 ከምዝተሃነፁን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

ንዝተፋላለየ ኣገልግሎት ዝውዕል 5 ነጥበቢ 6 ሺሕ ሔክታር ዝለምዐ መሬት ብምስንዳእ ንምትሕልላፍ ተሓሲቡ÷ 4 ነጥቢ 9 ሺሕ ሔክታር ምትግባር ከምዝተኸኣለ እውን ተገሊፁ፡፡

6 ሺሕ 146 ሔክታር መሬት ትሕዝቶታት ካብ ዘይሕጋዊ ወራር ናፃ ምግባር ከምዝተኸኣለን 10 ሺሕ ሰነድ ዘይብም ትሕዝቶታት ንምፍላይ ተሓሲቡ 10 ሺሕን 4 ዝኾኑ ትሕዝቶታት ምፍላይ ክዝኸኣለን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

#Ethiopia

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.