Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኣፍሪካ ዝህልዉ ሰላምን ዕብየትን ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሽርክንኣ ክተርእይ ከምዘለዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣  26 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)እስትራቴጂካዊ ከባቢ ኣብ ዝኾነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ኣፍሪካ ዝህልዉ ሰላምን ዕብየትን ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሽርክንኣ ክተርእይ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ናይ ኢትዩጵያ ሃይማኖት ትካላት ጉባኤ ናይ ኣሜሪካ ቅርንጫፍ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፣ ውድብ ሕቡራት መነግስታትን ሓደ ሓደ ዓለም ለኻዊ መራኸብቲ ሓፋሽን ደብዳበ ኣእቲዮም።

ኣብቲ ደብዳበ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረኣዩ ፀገማት ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝነበረ ከይዲ ፖለቲካ ምፍላጥ የድሊ ኢሉ።

ኣብቶም ዓመታት ኢትዮጵያውያን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ኣብ ማእኸሎም ቅራኔን ምፍልላይን ንክፍጠር ምስርሑ ኣመልኪቱ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ይመርሖ ዝነበረ መንግስቲ ኣብ መዋቅር ውሽጢ ግህሰት ሰብኣዊ መሰለ፣ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ምዝራፍን ኣብ መንግስታዊ ናይ ራዕዲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ፓርቲታት፣ ጋዜጠኛታትን ውልቀሰባትን እንትፍፀም ነይሩ ኢሎም።

ህወሓት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውጋዱ ሰለማዊ መገዲ ምምራፅ ገዲፉ ናብ ኲናት ምእታዉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝነበረ መዋቅሩ ብምጥቃም ጎንፂታት ንከጋጥም፣ ዜጋታት ንሞት ንክዳረጉን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክነግስ ምስርሑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.