Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፃሊ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብቅርቅርቲ እቲ ግድብ ማይ ኣይፈስስን- ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቅርቅርቲ እቲ ግድብ ማይ ነሳይ ምፍሳስ ዕድል ከምዘይህሊ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ስራሕቲ ስቪል ህንፀት እቲ ግድብ ብፅቡቕ ኩነታት ይቀላጠፍ ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብቅርቅርቲ ማይ ኣይፈስስን ኢሎም።

ምኽኒያቱ ድማ ዓቕሚ ምሓዝ ማይ እቲ ግድብ ክብ ብምባሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን መበል ራብዓይ መዛዘሚ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝብል ዝተገለፀ፥ ኣብ ቀፃሊ ምምላእ ማይ ብቅርቅርቲ እቲ ግድብ ማይ ኣይፈስስን ንምባል እንበር እቲ ግድብ ማይ ምምላእ ደው የብል ማለት ከምዘይኮነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.