Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ባህሊን ቱሪዝምን ስፖርትን መማኽርቲ ጉባኤ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባህሊን ቱሪዝምን ስፖርትን መማኽርቲ ጉባኤ ከምዝተጣየሸ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዙምን ኣፍሊጡ።

እቲ መማኽርቲ፥ ኣብ ኩለመዳይ ምዕባለ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ረብሓ ንምድንፋዕ ከምዝተጣየሸ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መመስረቲ ጉባኤ መጣየሺ፥ መምርሒ፣ ዕላማ፣ ዝፍፀመሉ ወሰን፣ ተግባርን ሓላፍነትን ኣሰያይማ ኣማኻሪ መምረፂ መለክዒታት ኣባላት ኣማኸርቲን፣ በዝሒ ኣባላት ኣማኸርቲ፣ ኣሰራርሓን ፍሉያት ድንጋገታት ኣማኸርቲ ኣባላት እቲ መማኽርቲ ቀሪቦም ተዘቲዩሎም፡፡

ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተውፃእፅኡ 45 ኣባላት ዘለዉዎ ጉባኤ እንትኸውን፥ ካብቲ ጉባኤ ድማ ትሽዓተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ብምጥያሽ ኣካቢን ምክትል ኣካቢን ከምኡ እውን ፀሓፊ ብምምራፅ ከምዝተዛዘመ ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.