Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤልጂም ዝርከቡ ሰብሃፍቲ ኣብ ዘፈር ፋርማሲዩቲካል ንኽሰሳተፉ ተፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤልጂም ዝርከቡ ሰብሃፍቲን ኣብ ዘፈር ፋርማሲዩቲካል ዝተዋፈሩ ኩባኒያታትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንኽሰሳተፉ ዝዓለመ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ዘተ በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂም ሂሩት ዘመነ ሓዊሱ ዘተ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ቤልጂም ኣብ ኢትዮጵያ ፍራንኮይስ ዱሞንት፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ሳንዶካን ደበበ፣ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ለሊሴ ነሜ ከምኡ እውን ተወከልቲ ሚኒስቴር ጥዕናን በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን ኣፋውስን ተሳቲፎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፋርማሲዩቲካል ዘለዋ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ፣ ኣብቲ ዓውዲ ክህሉ ዝግባእ ዕቤት ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ንዝዋፈሩ ኢንቨስተራት ዘዳለወቶ ፖሊሲ ብምምልካት ተወካሊ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ፋሲካ መከተ ገለፃ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ሳንዶካን ደበበ፥ እቲ ኮርፖሬሽን 13 ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ መላእ ሃገር ሃኒፁን ኣልሚዑ እናመሓደረን ንሸርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያ ልዑል ኣታዊ እናምፀአ ከምዝርከብን ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.