Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማ ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማ ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን።

ሎሚ መዓልቲ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ብዝተገበረ ፀወታ፥ ክልቲአን ጋንታታ ብዘይ ዝኾነ ሽቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ውፅኢት እቲ ፀወታ ስዒቡ ጋንታ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረትሉ 14 ደረጃ እንትትቅመጥ፥ ኣብ ቅልውላው ነጥቢ ትርከብ ሰበታ ከተማ 13 ነጥቢ ብመሓዝ መበል 16 ደረጃ ተቐሚጣ ትርከብ፡፡

ኣብ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12 ጋንታታት ወልቂጤ ከተማ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ክራኸባ ኢየን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.