Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ዝመርሕዎ ፓርቲ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ዝመርሕዎ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ተዓዊቱ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ምርጫ መሪሕ ፓርቲ ኮንሰርቫቲቭ ልዕሊ 360 መንበራት ብምርካብ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ድምፂ ከምዝሰዓረ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብሪታኒያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ እትገብሮ ፍትሕ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ተግባራዊ ክገብርዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ተነሓናሒ ሌበር ፓርቲ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ 203 ድምፂ ዝረኸበ እንትኸውን፥ እቲ ፓርቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1935 ንደሓር ዝተሓተ ድምፂ ዝረኸበሉ ምርጫ ኮይኑ ኣሎ።

ቦሪስ ጆንሰን ኣቦ መንበር ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ ብሪታኒያ ብምዃን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ.ም ከምዝተመረፁ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.